Tuesday 15 July 2014

ሓድሽ መልእኽቲ ንቓለ-መሕትት ዑቕባ ዘይተጸውዑ ኤርትራውያን







ሓድሽ መልእኽቲ ንቓለ-መሕትት ዑቕባ 
ዘይተጸውዑ ኤርትራውያን: 




ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ (ዑቕባ) ንኽርአ መጀመርያ ናይ ግድን ቃለ-መሕትት ከነግብረካ ኣሎና። ብዙሓት
ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ንነርወይ ይመጹ ስለ ዘለዉን ንሕና ኸኣ ተርጎምቲ ስለ ዝጎደሉና፡ ቤት
ጽሕፈት ጉዳይ ወጻአተኛታት (UDI) ቃለ-መሕትት ከግብረካ ኣይክእልን ኢዩ ሕጂ።

መዓስ ኢኻ ንቓለ-መሕተት ክትቀርብ?
ንቓለ-መሕትት ከይተጸዋዕካ ክሳብ (9) ወርሒ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
ንቃለ-መሕትት ከይቀረብካ ክሳብ (6) ወርሒ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ ኢልን ኔርና ኣብ ግንቦት፡ ሕጂ ኸኣ
ክሳብ (9) ወርሒ ክወስድ ይኸል ኢዩ።
ቅድሚ ቓለ-መሕትት ምግባርካ ካብቲ ትቕመጠሉ ዘሎኻ መሰጋገሪ መዓስከር ናብ ሓደ ተራ መዓስከር
ክትተሓላለፍ ኢኻ። ዳርጋ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ቅድሚ ንቃለ-መሕትት ኣብ ኦስሎ ምቕራብካ UDI ናብቲ
ሓዲሽ መዓስከር መልእኽቲ ክሰደልካ ኢዩ።

UDI ብቐጻሊ ንቈልዑ ዘለዎም ስድራቤት ኢዩ ቀዳምነት ዝህብ፡ ንሳቶም’ውን እንተኾነ ቅድሚ ንቓለ-
መሕትት ምቕራቦም ክሳብ (3) ወርሒ ክጽበዩ ግድን ክኾኖም ይኽእል ኢዩ።

ንሕቶኻ መልሲ ክሳብ ትረክብ ክንደይ ግዜ ኢኻ ክትጽበይ?
ድሕሪ ቃለ-መሕትት ዑቕባ ንሕቶኻ መልሲ ከይረኸብካ ካብ 1 ክሳብ 2 ወርሒ ክትጸንሕ ግድን ኢዩ፡ ኣብ
ሓደ ሓደ ጉዳያት ግን ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ ይኸል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ቓለ-መሕትት ዑቕባ
ንኽንደይ ግዜ ከምትጽበ ኣብ ግምት ክትእትዎ ዘሎካ ናይ ቀረባ ሓበሬታ ክወሃበካ ኢዩ።





post signature

0 comments:

Post a Comment